ኢንስቲትዩት ሰላም ኢትዮጵያ ምስ ዩኤስ ኤይድ ብምትሕብባር ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ዓሊሙ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ መፅናዕቲ ብዝምልከት ምስ ንግስታዊ ትካላት፣ ሲቪል ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣካዳምያን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ዘትዩ።
ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ መስካሕከሐይ ኲናት ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተዓዘበ እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ዞባታት ምዕራብ ትግራይ ፣ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ተመዛበልትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ መፅናዕቱ ዘካተተ እንትኾ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ስለዝርከቡ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ክግበር ምኽረ ሓሰብ ኣቐሚጡ።
ኢንስቲትዩት ሰላም ኢትዮጵያ ዛካየዶ መፅናዕቲ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ከኽእል ሓቢሮም ምስ ዝሰርሑ ሲቪል ማሕበራት፣ ትካላት ሃይማኖትን መንግስታዊ ትካላትን ካልኦት ሲቪክ ማሕበራትን ኣብ ዝዘተየሉ እዋን እቲ መፅናዕቲ ካብ ወገናውነት ዝፀረየን ሚዛናውን ምዃኑ ዝተለፀ ኾይኑ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ክካተቱ ይግባእ ዝበሉዎም ነጥብታት ኣቕሪቦም።
ኣብ ከይዲ ምስፋን ሰላም ጉዳይ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን፣ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ትኹረት ክግበረሉ ፣ ኣብ መንጎ ማሕበራውን ፖለቲካውን መፍትሕታት ዝረአዩ ምትሕውዋሳት መስመር ክሕዙ፣ ኣብ መሕበራዊ ርክብ ህዝብታት ብትኹረት ክስራሕ፣ ስርዓት ማሕበራዊ ርክባት ክጠናኸርን ንከይዲ ምስፋን ሰላም ዘድሊ ደገፍ ፋይናንስን ሎጅስቲክስን ክግበርን ይግባእ ክብሉ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ርኢቶ ሂቦም። ብኹሎም ኣካላት ተቐባልነትን ተኣማንነትነ ዘለዎም ሰባት ኣብ ከይዲ ምስፋን ዘላቒ ሰላም ክሳተፉ ከም ዝግባእ ውን ተገሊፁ።
ኣብቲ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ዓሊሙ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ኣብ ክልል ኣምሓራ ውን ተመሳሳሊ መፅናዕቲ ከም ዝተኻየደ ዝተገለ ኾይኑ ኣብ ኩሉ ከባቢ ንኹሉ ዝጠቅም ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ውሕሉል ኣሰራርሓ ፣ ትዕግስቲ፣ ጥበብን ተኣማንነትን የድሊ ተባሂሉ።
ንሰላም ዕድል ዝፈጥሩ ልምድታት ማሕበረሰብ ፣ ባህሊ ፣ ቋንቋን ካልኦት ፀጋታትን ምህላዎም ኣብ ደበና ስግኣት ዘሎ ኩነታት ናብ ዘላቒ ሰላም ምልዋጥ ከም ዝከኣል ዝተገለፀ እንትኾን ነዚ ከዐንቅፉ ዝኽእሉ ፈተናታት ብኣግባቡ ፈሊኻ ውሕሉል ጥንቃቐ ምግባርን ዘላቒ መፍትሒ ምቕማጥን ንፅባሕ ዘይበሃል ዋኒን ኩሉ ደላይ ሰላም እዩ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ከም ዝበሉዎ ።