ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ተዋሳእቲ ንምግባር ዝዓለመ ናይ 116 ሚሊዮን ብር ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ተዋሳእቲ ንምግባር ዝዓለመ ናይ 116 ሚሊዮን ብር ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ዕላዊ ዝኾነ ፕሮጀክት ካብ ሕብረት ኣውሮፓን ክርስትያን ኤይድን ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ዝድገፍ ኮይኑ ብኣተሓባባርነት ማሕበር ጩራ ኣቡጊዳ ኪነ-ጥበብ ዝትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ።

ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ተዋሳእቲ ክኾናን ፤ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ፣ ትካላዊ ነፃነትን ተቐባልነትን ንክህልወን ዝሕግዝ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ጩራ ኣቡጊዳ ኪነ-ጥበብ ኣይተ ቢንያም ናደው።

በዙይ መሰረት ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ገበርቲ ሰናይ ትካላት 30 ዓቅሚ መዕበይ ድጋፍ ዝግበረለን እንትኾን ካብኣተን እተን 15 ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝግበረለን ተዛሪቦም።

እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ድማ ብምኽንያት ኲናት ከቢድ ማህሰይቲ ንዝበፅሖም 30 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ጉድኣት ኣካልን ተጠቀምቲ ዝገብር እዩ ኢሎም።

እቲ ፕሮጀክት ዕላዊ ካብ ዝኾነሉ ጊዜ ጀሚሩ ንቐፀልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ዝፀንሕ እዩ ኢሎም ኣይተ ቢንያም።

ሓላፊት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ሜጀር ጀነራል ዘዉዱ ኪሮስ ንናይ ዓዲ ውሽጢ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ንምጥንኻር ዝተገብር ሓገዝ ብኲናት ዝተሃሰየ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ትግራይ ንምሕዋይ ዝሕግዝ እዩ ኢለን።

እቲ ፕሮጀክት ብገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣቢሉ ንደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ጉድኣት ኣካላትን ዝሕገዝ ብምዃኑ ኣብ መዓልኡ ክውዕል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን።

ኣብ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳይን ደቂ ኣንስትዮን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣሳልፈው ኣመዲን ብወገነኖም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ንምሕጋዝ 4 ሚሊዮን ዩሮ (ልዕሊ 700 ሚሊዮን ብር ) ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝተረኽበ ገሊፆም።

በቲ ዝተረኸበ ሓገዝ ንትግራይ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ዝርከባ 60 ትካላትገበርቲ ሰናይ ተጠቀምቲ ከምዝኾና ተዛሪቦም።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top