መቐለ ዩኒቨርሲቲ ምስ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ማእከል ኪነጥበብ ጩራ ኣቦጊዳን ብምትሕብባር ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዋዕላ መናእሰይን ህንፀት ሰላምን የሳልጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላም ክህልዎም ዝኽእል ግደ፣ ተሳትፎ፣ ተወካልነትን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ዝምልከቱ መፅናዕትታት ይቐርቡ ኣለዉ።
ኣብዚ ዋዕላ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ካብ መብዛሕተአን ወረዳታት ትግራይ ዝተወከሉ መናእሰይ እናተሳተፉ እዮም።
ኣብቲ ዋዕላ መኽፈቲ መደረ ዘካየዱ ምክትል ፕሬዚደንት ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ምክትል ፕሬዚደንት መፅናዕትን ምርምርን ማሕበረሰባዊ ተሳትፎን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶር ኢያሱ ያዘዉን ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስን መናእሰይ ኣብ ምፍጣር ምዕምባብን ምስፋሕን ሰላም መተካእታ ዘይብሉ ግደኦም ክፃወቱ ተላብዮም።
እቲ ዋዕላ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን እውን ክቕፅል እዩ።

