ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ዝንህር ዘሎ ስደት መናእሰይን መፃኢ ዕድል ትግራይን
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ዝንህር ዘሎ ስደት መናእሰይን ከም ክልል መፍረያይ ሓይሊ ሰብ ትስእነሉን ኢሉ ድማ ናብ ሓደጋ ትወድቐሉ ዕድል ጥጡሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ነዙይ ዝተሓበረ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ምስ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ብምትሕብባር 23 ጉንበት 2017 ዓ.ም ኣብ መዳይ ምክልኻል ስደት መናእሰይ መሰረት ዝገበረ ኣብ ከተማ ዓድጉደም ኣብ ዝተገበረ መድርኽ ዘተ እዩ።
ነዙይ ኣመልኪቶም ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መንኣሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ ከምዝበልዎ ፣ ኣብ ትግራይ ስደት መንኣሰይ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ከምዝርከብ ብምሕባር ፣ ነዙይ ንምዕጋት ድማ ግደ ኩሉ ኣካል ከምዝኾነ ብምርዳእ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ማሓውር መንግስቲ ኾነ ኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምንባብ ብትኹረት ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣረዲኦም።
መንእሰይ ትግራይ ብቡዝሓት ምኽንያታት ኣብ ስግኣት ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ሓይሽ ፣ መንእሰይ ኣልባ ዝኾነት ትግራይ ድማ ከይዱ ከይዱ ውድቀት ከምዝኾነ ብምርዳእ ብፍላይ ድማ ብመሪሕነቱ ኣንፀርፂሩ እግሩ ናብ ዘምረሖ ዝስደት ዘሎ መንእሰይ ትግራይ ሱቕ ኢልኻ ምርኣይ ሓላፍነት ዝጎደለ ኣካይዳ ከምዝኾነ ብምርዳእ ብስደት ዝሳቐ ዘሎ መንእሰይ ድማ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝበልዐሉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ግደ መሪሕነት ልዑል ተራ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ዘይምዕሩይ ምሕደራ ዝወለዶ ስደት፣
ስእነት ስራሕ፣ ኲናትን ኻልኦት ምኽንያታት ዝወለዶም በቢ ዕለቱ ብናህሪ ዓይኒ ዕሙተይ ፍልሰት ይዛይድ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ሓይሽ ፣ ብምዃኑ ድማ ከም ትግራይ ዘሎ ፍልስት ከምዚ ተቐፂሉ ቑፅሪ መፍረያይ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ዝሳእነሉ ጥራሕ ዘይኾነስ ትግራይ ከም ክልል መፍረያይ ሓይሊ ሰብ ትስእነሉን ኢሉ ድማ ናብ ሓደጋ ትወድቐሉ ዕድል ጥጡሕ ከምዝኾነ ኣይተ ሓይሽ ኣረዲኦም።
ብምዃኑ ድማ ዘለው ውሽጣዊ ፀገማት ብዘይ ውዓል ሕደር ብዝተዋደደ መንገዲ ብምፍታሽ ዘላቒ መፍትሒ ክቕመጠሉ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ዶክተር ገብሩ ካሕሳይ ብወገኖም ፣ ዕላማ እቲ መድርኽ ተሳተፍቲ ኣካላት ዘሎ ፀገም ብምርዳእ ኣብ ምቕራፍ ፍልሰት መናእሰይ ሓላፍነት ብምውሳድን ተናቢብኻ ንምስራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ዘሎ ስደት መናእሰይ ንመንግስትን ኣብያተ ዕዮታት ጥራሕ ዝግደፍ ከምዘይኾነ ዝሓበሩ ዶክተር ገብሩ ፣ብምዃኑ ድማ ዘይመንግስታዊ ኣካላትን ብዋናነት ድማ ሕብረተሰብ በዓሉ ሓደጋነት ስደት መናእሰይ ብምርዳእ ደቁ ካብ ዘይሕጋዊ ስደት ክከላኸል ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ኣብቲ መድርኽ ዘተ መናእሰይ፣ መረሕቲ ሃይማኖት፣ኣካላት ፀጥታ ፣ ቤት ፍርዲ፣ ኣካላት ፍትሒ ፣ ደቂ ኣንእስትዮን መንግስታዊ ኣካላትን ብምርካብ ኣብ ጉዳይ ፍልሰት መናአእሰይ ዝጠመተ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብምድጋፍ ብዕምቆት ዘትዮም እዮም።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
23 ጉንበት 2017 ዓ.ም
መቐለ



