ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝወለዶ ምዕባለ ዓለምና ናብ ሓንቲ ቁሸት ተቀይራ እያ። ውፅኢት ቴክኖሎጂ ዝኾነ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዓለም ዘጋጠሙ ፍፃመታት ኣብ ዝሓፀረን ዝቐልጠፈን ግዜ ሓበሬታ ንምርካብን ንምልውዋጥን ኢሉ ‘ዉን ዓለም በፂሓቶ ምስ ዘሎ ቴክኖሎጂ ንምልላይን ንምጥቃምን ማሕበራዊ ሚድያ ዝለዓለ ኣበርክቶ እንዳተፃወተ ይርከብ። ሪፖርተር ዶት ኮም ዝተብሃለ መጽሓፋዊ ጽሑፍ ከምዝሓበሮ ኣብ ዓለምና 4.57 ቢልዮን ወይ ድማ ካብ ጠቅላላ ህዝቢ ዓለም እቲ ፍርቂ ሚኢታዊ ተጠቃሚ ኢንተርኔት እዩ።
ስቴት ካውንተር ዝተብሃለ ድሕረ ገጽ ከም ዝገለጾ ኣብ ዓለም ዙርያ ሰባት 74.17 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተጠቀምቲ ፌስቡክ እዮም። ተጠቀምቲ ትዊተር 6.78 ሚኢታዊ ሒዞም ይርከቡ ከምኡ እውን 4.86 ሚኢታዊ ዩትዩብ 1.37 ሚኢታዊ ተጠቀምቲ ኢንስታግራም ምኻኖም ይሕብር።
ኮይኑ ግና እኹል ኣፍልጦን ግንዛበን፣ ሓላፍነት ዝተመልኦን ግቡእ ዝኾነን ኣጠቓቕማ ድጅታል/ማሕበራዊ ሚድያ ብዘይ ምህላው ኣብ ሕብረተሰብ ሰፊሕ ዝበሃል ኣሉታዊ ተፅዕኖ እንዳፈጠረ ይርከብ። ሰባት ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሎም ውልቃዊ ስምዒት ዝዓብለሎም መልእኽትታቶምን ሓበሬታቶምን ብምፍናው፣ ናይ ፅልኢት ዘረባን ፅሑፋትን ብምምሕልላፍ፣ ናይ ደቂ-ሰባት ክብርን መንነትን ብምፅላም፣ ናይ ሓሶት መልእኽትታት ብምውዛዕ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምጥርጣር ሱር ክሰድድን ፅልእን ቅርሕንትን ክምዕብልን ብምግባር ሕድሕዳዊ ምትፍናን ህዝብታት ክነግስ ብምግባር ኣብ ሕብረተሰብ ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ኣብ ምግባር ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ ይርከብ።
ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያን ንህንጸት ሰላም ዘለዎ ፋይዳን ኣመልኪቱ ኣብቲ ዓውዲ ኣፍልጦ ብዘለዎ ክኢላ መብራህርሂ ተዋሂብዎም እዩ፡፡ ብክኢላ ትኹረት ተዋሂብዎም ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ምስ “media Literacy, digital citizenship, privacy, avoiding scams, digital security, and digital community for peacebuilding” ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታት እዮም ነይሮም፡፡ ኣብቲ መድረኽ ስነ ምግባር ዝተላበሶ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ንሰላምን ምርግጋዕን ወሳኒ ከም ዘኾነ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐ ኮይኑ ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ተመሳሳሊ ስልጠና ክወሃቦ ከምዝግባእ ብተሳተፍቲ ተመላኺቱ እዩ፡፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ግንዛበ መዕበይ ስልጠና ኣብ ሕ/ሰብ ሰላም ክሰፍን ዲሞክራስን ክምዕብል ኣብ ምግባር ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ እዩ፡፡
ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘተ ማ/ሰብ ዝተለዓሉ ዛዕባታት ኣብዚ መድረኽ ‘ውን ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ምርግጋዕን ህንፀትን ሰላም ትግራይ እንታይ ከምዝምስል፣ መንግስቲ፣ ትካላት ሃነጽቲ ሰላም፣ መናእሰይ፣ ትካላት ሚድያን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሎም ኣብ ህንፀት ሰላም ክህልዎም ዝግባእ ኣስተዋፅኦ ዝብሉ መዛተዩ ዛዕባታት ተላዒሎም ተዘትይሎም እዩ። ጩራ ኣቡጊዳ ተመሳሳሊ ፕሮጀክተ ኣብ ካልኦተ ክፋላት ትግራይን ትካላትን ተግባራዊ ክግብር ጩራ ኣቡጊዳ ከም ዝግባእ ብተሳተፍቲ ተመላኺቱ እዩ፡፡ ተወከልቲ እቲ ትካል እውን ኣብ መላእ ከባብታት ትግራይ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ተግባራዊ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕን ቀጻልነት ክህልዎ ከምዝግበርን ገሊፆም ‘ዮም፡፡
