ሕብረት ማሕበራት ስቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ድምፀን ከስመዓ፣ነንባዕለን ክደጋገፋን ማሕበራዊ ፀገማት ብሓባርን ብቅልጡፍን ክፈትሓን ሕጋዊ ፍቃድ ረኺበን ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቀሳ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዘጣየሸኦ ዘይመንግስታውን ካብ ዝኾነ ይኹን ውግንና ነፃ ዝኾነን ክልላዊ ጥምረት እዩ።
እዚ ጥምረት ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ንዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ክልልና ኣብ ምፍታሕ፣ድምፂ ስቪል ማሕበረሰብ ብምኻንን እተን ማሕበራት ተሞክሮአን ክልዋወጣ፣ዝሐሸ ዓቅሚ ሃኒፀን ፀገማት ክፈትሓን ምስ መንግስትን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዘሎ ርክብ ክጠናኸር እንዳሰርሐ መፂኡ እዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን 124 ኣበላት ዘለውዎ እንትኸውን ዝለዓለ ስልጣን ናይዚ ጥምረት ሓፈሻዊ ጉባኤ እዩ። በቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተመረፀ ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ቦርድ ድማ የመሓድሮን በቲ ቦርድ ዝሰየሞ ዋና ስራሕ መካየዲ ዘጣየሾ ማናጅመንት/ምሕደራ ድማ ይምራሕ።
ብሓፈሻ ሕብረት ማሕበራት ስቪክ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ህፃናት፣መናእሰይን ሰብ ፀጋ ዕድመን ኣብ ሞያታትን ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝሰርሑ 124 ኣባላት ዝሓዘ ማሕበር እዩ።
ሓንቲ ዓዲ ክትምዕብል እንተኾይና ሰለስተ ጥንኩር ዓምድታት ክህልውዋ ይግባእ። ንሳቶም እውን መንግስቲ፣ኢንቨስተራት ወይ ድማ ኣውፈርቲን ከምኡ እውን ዝተወደበን ዝነቅሐን ስቪክ ማሕበረሰብ የድልዩዋ። ኣብዚ ድማ መንግስቲ ሕጊ ኣብ ምውፃእ ምትርጓምን ምፍፃምን ኣውፈርቲ ወይ ድማ ኢንቨስተራት ምቹው ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣርን ኢንቨስትመንት ክስፋሕፋሕ ብምግባርን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ድማ ብመንግስትን ብኣውፈርትን ዝፍፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ልምዓት ተበፃሓይነት ክፍተትን ኣብ ምቅላስን ብውዳበ ይኹን ብተናፀል ይሰርሐ። ነዚ መርኣያ ድማ ሕብረት ስቪል ማሕበረሰብ ትግረይ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ብዙሓት ፕሮጀክታት ብምፍፃም ማሕበረሰባዊ ቅልውላው ከይፍጠርን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከብ ክፋል ማሕበረሰብ ድሕንነቱ ክሕሎን ድጋፍ ክረክብን እጃሙ እናወፈየ መፂኡን ኣሎን።
#ብሳምራዊት ሃይሉ






