ሓቅን ሓሶትን ሓበሬታ ዝመሚ ብAI ቴክኖሎጂ ዝተሰነየ ናይ ትግርኛ መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ AI መተግበሪ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ፅልኢትን ምርሓሓቕን ዝፈጥሩ ሓበሬታታት ፍልፍሎምን ሓቅን ሓሶትን ብምባል ዘረጋግፅ እዩ።

እቲ AI መተግበሪ SUSTAINABLE TECHNOLOGY SOLUTIONS (STS) ብዝብሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ዝማዕበለ እዩ።

ሎሚ ዓርቢ ግንቦት 22/2017 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዕላውነት እቲ መተግበሪ ከምዝተገለፀ : ዓለም ብቴክኖሎጂ ርክብ ናብ ሓንቲ መንደር ኣብ ዝፀበበትሉ ጊዜ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዝመፁ ሓበሬታታት ሓቅን ሓሶትን ምኻኖም ኣፃሪኻ ናብ ረብሓ ምውዓል ቅድምና ዝወሃቦ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ዕላውነት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝማዕበለ መማፀረዩ ሓበሬታ AI ቴክኖሎጂ ክስራሕ ዝሓገዙ ካብ ትካላት ምግባረ ሰናይ ካናዳ : Search common Ground : ኤሊዳ ዝተወከሉ : ሚድያታትን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።

@tikvahethiopiatigrigna

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top